E-Bok ብትግርኛ

ወድካ ወይ ጓልኻ 13 ዓመት ምስ ገብሩ፡ እንታይ እዩ ወሪዶዎም ኢልኻ’ዶ ሓሲብኻ ትፈልጥ፧ ወይ ድማ 13 ዓመት ምስ ገበረ፡ ሕጅስ ዓብዩ ክሕግዘኒ እዩ፥ ኢልኻ እንዳተጸብካ ምሕጋዙስ ይትረፍ፡ ጥራይ እንተዝስምዓኒ’ዶ ትብል ኣሎኻ፧ ደቅና 13 ዓመት ክበጽሑ ከልዉ፡ ብዙሕ ናይ ባህሪ ለውጥታት ኣብ ደቅና ንርእየሉን ከም ወለዲ ድማ ብብዙሕ ንፍተነሉን ግዜ እዩ። ኣብዛ ንእሽተይ ጽሕፍቲ ከም ወለዲ ምልስ ኢልና ክንሓስቦም ዘሎናን ኣብ ደቅና ድማ ንምንታይ እዩ ናይ ባህሪ ለውጥታት ዝመጽእ ብቀሊልን ብሓጺርን ተገሊጹ ኣሎ። ምሉእ ይሕዝቶ ናይ እዛ መጽሓፍ E.BOOK ኣብ ሕጺር እዋን ኣብዚ ገጽ ክትረኽብዎ ኢኹም።