ሕምባሻ ኣብ ፎርኖ

ሕምባሻ ኣብ ፎርኖ 

ሓደ ዓቢ ወይ ክልተ ነኣሽቱ

ዘድልይ ንጥረ ነገር

1 (50ግራም) ፍሬሽ ለቢቶ

1,5 ማንካ ሻሂ ጨው

500 ሚሊተር ልቡጥ ማይ 

100 ሚሊተር ዘይቲ 

13-14 ደሲልተር (780-840 ግራም) ፊኖ

1,5 ደሲሊተር (135 ግራም) ሽኮር

ኣገባብ ኣሰራርሓ

  1. ነቲ ለቢቶ ኣብ መልወሲ ሸሓኒ ንርፍትቶ 
  2. ቅሩብ ሉቡጥ ማይ ወሲክና ነቲ ለቢቶ ኩሉ ስጋብ ዝሓብር ነሕቅቆ
  3. ነቲ ዝተረፈ ማይ፣ ዘይቲ፣ ሽኮር ንውስከሉ
  4. ኣብ ካልእ ሽሓኒ 13 ደሲሊተር ፊኖን ጨውን ንሓዋውሶ 
  5. ነቲ ፊኖን ጨውን ኣብቲ ማይን ለቢቶን ዘለዎ መልወሲ ሓዊስና፣ ብደንቢ ን10-15 ደቂቅ ንለውሶ። 
  6. ነቲ ዝለውስናዮ ቢሑቅ ኣብቲ መልወሲ ብጨርቂ ሽፊንና ን40 ደቂቅ ሓፍ ክብል ንገድፎ
  7. ፍርኖ ብ 200°C ንውልዖ
  8. ሓፍ ምስ በለ፣ ኣብ ክልተ መቂልና ኣብ መሰንከቲ ሸሓኒ ንልጥጦ( ወረቀት ናይ መሰንከቲ አንተዘይብልና፣ ነቲ መሰንከቲ ዘይቲ ምልካይ ኣይንረስዕ)
  9. ነቲ ኣብ መሰምከቲ ዝለጠጥናዮ ሰሊምና፣ ን 20-30 ደቂቅ እንደገና ሓፍ ክብል ንገድፎ።
  10. ድሕሪ ሓፍ ምባል ኣብ ፎርኖ የእቲና ን15-20 ደቂቅ  ነብስሎ።