ዘድልይ ንጥረ ነገር
5 dl ማይ
1,5 dl ልቡጥ ማይ
6 msk ናይ ሕልበት ሓሩጭ
ኣገባብ ኣሰራርሓ
- 5 dl ማይ ኣብ ድስቲ ገይርና ነፍልሖ
- ነቲ ሓሩጭ ናይ ሕልበት በቲ ልቡጥ ማይ ገይርና ነሕብሮ
- ነቲ ዝተበጽበጸ ሕልበት ኣብቲ ዝፈልሕ ዘሎ ማይ ነእትዎ
- ሓዊ ኣዝሒልና ኢድና ከይፈለና ኩሉ ስጋብ ዝተሓዋወስ ነሕብሮ
- ቀጺልና ን15 ደቂቅ ጦቅ ነብሎ፡ ጸጸኒሕና እንዳኮስና ነብስሎ
- ምስ በሰለ፡ ሓዊ ኣጥፊእና ንክዝሕል ንገድፎ፣
- ምስ ዘሓለ ወቂዕና ምስ ስልሲ ነቅርቦ።