መግቢ (Maträtt) ሓደ ካብቲ ካብ ወልዶ ናብ ወለዶ ነመሓላልፎ፣ ሃብቲ እዩ። ሓደ እዋን ንጓለይ ሽሮ ምስራሕ ከርእያ ከሎኩ፣ ቅሩብ ማይ፣ ቅሩብ ጨው፣ ምስ በልክዋ ክንዲምንታይ አዩ ቅሩብ፣ ሓደ ደሲሊተር፣ ፍርቂ ወይስ ሓደ ሊትሮ፣ምስ በለትኒ ብርግጽ ሓቃ እያ፣ ቅሩብ ክንደይ እዩ፣ ብዙሕ ከ ክንደይ እዩ፣ ንኩሉ መዓቀኒ ኣሎዎ።
ኣነ እውን ብጊደይ ሕልበት ክሰርሕ ምስ ደለኩ እቲ ትክክል ዓቀን ንክረክብ ካብ youtube ክደልይ ጀሚረ። ኣብቲ ኩሉ ዝርኣክዎ ድማ ቅሩብ ማይ፣ ቅሩብ ሕልበት፣ ዝብሉ መግለጺታት ናይ ዓቀን እንተዘይኮዩኑ፣ ብትክክል ክንድምንታይ ማይ ወይ እውን ሕልበት ክገብር ከምዘሎኒ ወልሓንቲ ትኩን ክሊፕ (youtube klipp) ኣይረከብኩን። ከም መምህር ናይ hem och konsumentkunskap (ቀደም ኣብ ኤረትራ ብ ኑሮ ብዝዴ ዝፍለጥ ዝነበረ) ወይ home ekonomics ዓቀን ናይ ንጥረ ነገረታ እብ ብስራሕ መግቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃዋኑ ይፈልጥ እየ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣሰራርሓ መግቢ ኣብ ሰነድ ከንብሮ ወሲነ ኣሎኩ። ከምኡ እውን ናይ ሃገርና መገቢ ካብ ወሎዶ ናብ ወሎዶ ክመሓላልፍ አንትኮይኑ፣ ክጽሓፍ ኣሎዎ ኢለ እየ ዝእምን። ኣብዚ ገጽ እዚ በብግዚኡ ረሲፒ ብትግርኛን ብሽወደንን ክጽሕፍ እየ፣ ተስፋ ይገብር ትፍትዎው መግቢ ክትረክቡ። እዚ ኣብዚ ዘሎ ረሲፒ ኩሉ ናተይ ኣይኮነን፣ ገለን ካብ ወሎዶ ናብ ወሎዶ ዝተመሓላለፈ ዋኑኡ ዘይፍለጥ እዩ፣ ገለን ድማ ኣቲ መሰረት ካብ ወለደይ ዝተማህርክዎ ኮይኑ ዘመሓየሽክዎን እዩ።